October 24, 2015

ጋዜጣዊ መግለጺ
ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ እስራኤል “ብጌጋ” ተቐቲሉ

Ministry of Informationሓያሎ ማዕከናት ዜና፡ ንዘሰቅቕ ቅትለት ኤርትራዊ ዜጋ ብዓረር ወተሃደር እስራኤል ኣብ ከተማ ብእር-ሼባ ሎሚ ከጋውሕኦ ውዒለን ኣለዋ። እቲ ጭካነ ዝመልኦ ማህረምትን ቅትለትን ናይ’ቲ ኤርትራዊ ዜጋ፡ “ብጌጋ” ከምእተፈጸመ’ዩ ተገሊጹ። ሰብ-መዚ እስራኤል’ውን ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ “ጽንዓት ይሃብኩም” መልእኽቲ ሰዲዶም ተባሂሉ’ሎ።

እቲ ጉዳይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ መሊሱ ዘጒልሕ እንተዘይኮይኑ፡ ኪጒልብብ ኣይክእልን። ንኤርትራ ብሕልፊ፡ እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ዕቡጥ ግፍዒ መዘኻኸሪ’ዩ።

እዚ “ብጌጋ” ተቐቲሉ ዝተባህለ ኤርትራዊ፡ ሓደ ካብቶም ብዝተወደበ ዓለማዊ ገበን ፍልሰት፡ ፖለቲካዊ መጋበርያን ከደምቲ ሕሱር ዕዮን ክዀኑ ንእስራኤል ከምዝስደዱ ዝተገብሩ ኤርትራውያን ስለዝዀነ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ተርእዮ ሻቕሎቶምን ኲነኔኦምን ደጊሞም ይገልጹ።
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
19 ጥቅምቲ

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ