January 18, 2020

ጋዜጣዊ መግለጺ

ስቴት ሚኒስተር ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ምስ ናይ 9 ጥሪ ሕታም ጋዜጣ ‘ኣልሻርቕ ኣልኣውሰጥ’ ኣብ ዘካየዶ፡ ንስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቤት-ምኽሪ ምስ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ዝምልከት ነዊሕ ቃለ-መሕትት፡ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ተኣልዩ፡ ብዛዕባ ፍታሕ ግጭታትን ጎንጽታትን ኣብ ኣፍሪቃ ንተራ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዘነኣእስ መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ “ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ንዝለዓል ጐንጽታት ንምፍታሕ ንእተካይዶ ጻዕሪ” ብምጥቃስ፡ “ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሪሕ እስላማዊ ተራኣ ትጻወት ከምዘላ፡ እቲ ናይ ፈለማ ፍረ ጻዕራ ድማ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን” እዩ ይብል። እዚ መግለጺ’ዚ፡ ምስ ኣመዓባብላን ሓቂታትን ናይ’ቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ዝዀነ ምትእስሳር የብሉን። ዋላ’ኳ ንሰናይ ድሌት ኣህጉራውያን መሻርኽትና ሞጐስ ክንህብ ንቡር እንተዀነ፡ ንኣፍሪቃን ብኣፍሪቃ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ነፊጉ ዘየሎ ዛንታ ዝጸዊ ዘይግቡእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንምስሊ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ’ውን ብኣሉታ ዝጸሉ’ዩ።
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
13 ጥሪ 2020

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን