August 28, 2021

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኤርትራ፡ ንዘይሕጋዊ ተግባራት ኣመሪካ ትዂንን ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ዘይቅቡል ክሲታቱ ኣንጻር ኤርትራ ብምቕጻል፡ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ናይ እገዳ ስጉምቲታት ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ መሰረት ዘይብሉ ጠቐነን ምጉጣጥን ብቓልን መንፈስን ነጺጉ ይዂንኖ። ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ኣንጻር ኤርትራ ከምዚ ዝበለ ጠቐነ ከካየድ ሓድሽ ኣይኮነን። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ብ13 መጋቢት 2021 ንጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ንዝንቡዕን ዘይተጨበጠን ናይ ሚድያ ጸብጻባት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታታት ምብጻሕ ዘሕዝን እዩ። ኣብ ደብዳበኻ ንዝሓለፈ 30 ዓመት ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣመሪካ፡ ኣንጻር ኤርትራ ሒዞሞ ዝጸንሑ ፖሊሲታት ቃናኡ ዘይምልዋጡ፡ ከምዘርመመኒ እናገለጽኩ፡ ኣብ ዝርዝራት ከይኣተኹ፡ ምስ ግዜ ክፍወስ ዘለኒ ተስፋ ክገልጽ እደሊ”

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ