October 14, 2022

ግህሰት ልኡላውነት ብሽፋን ሰላም

ኣብ ልዕሊ ሩስያ መሸንቆቛ ኣጽቢብካ፡ ብምዕራብ ዝዝወር እንኮ ቁጥባዊ ዓለማዊ ስርዓት ምውሓስ ዝዕላማኡ፡ መንኰርኰር ታሪኽ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሃቐነ፣ ኣዕኑድ መትከላት ሕ.ሃ. ኣብ ምድልዳል ብዙሓዊ ምሕዝነት እናዕነወ፣ ንክቡር ባህጊ ህዝብታትን ሃገራትን ዓለም ዝጻረር ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነት ፈጢሩ ኣሎ። ምስ ኲናት ኡክራንያ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ኣንጠጥዩ ዘሎ ንድሕነት ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ዝጸሉ፡ እንተላይ ተኽእሎ ኒዩክለሳዊ ኲናት ዘዐርግ ከቢድ ወተሃደራዊ ወጥሪ ውጽኢት ናቱ እዩ። ኲናት ኡክራንያ፡ ዛጊት ኣብ ሰላምን ጸጥታን ዓለምና ኮነ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባዊን ንግዳዊን ንጥፈት ኣኸቲልዎ ብዘሎ ቅልውላውን ዕቑር ተኽእሎታቱን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝዓበየ ዓለማዊ ስግኣት’ዩ። ካብኡ ዝዓቢ ካልእ ስግኣት ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን።

download

Latest Articles

Briefing by M. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs,...

Ethiopia is not being ‘dragged into war’

ንዓቕሊ ጽበት ሰልፊ ብልጽግና...