March 6, 2020

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል
ጕዳይ ደቀንስትዮ ጕዳይ ሃገር
ኰይኑ ተሰሪሑሉ እዩ!

ተስፋኣለም ገብረስላሰ(ጫረ)

ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ፡ ዓብያን ተማሂራን። ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ
ኣስመራ ሓፈሻዊ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታ ሓደራ። ካብ ከባቢ ኣስመራ እናተመላለሱ ብዝመሃሩ ደቂ-ክፍላ ብዛዕባ ገድልን ፍልልያት ክልተ ውድባትን ክትፈልጥ ክኢላ። ጸኒሓ ኣብታ ስዉእ ገብረሂወት ዝምእክላ ዝነበረ ዋህዮ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲባ። ልኡኽ ምብጻሕ፡ ጽሑፍ ተቐቢልካ ምስግጋርን ዳግም ምጽሓፍን ምብዛሕን፡ ንብረት ውድብ ክሳብ ጥይትን ብረትን ምዕቃብን ምሕባእን ኣብ ግዜኡ ናብ ዝምልከቶ ምብጻሕን ኣብ ዝኣመሰለ ምስጢራዊ ስርሓት ድማ ትሳተፍ ነበረት። ኣብ 1975፡ ክትጋደል ወሲና፡ ክሳብ ዓዜን በጺሓ ነይራ። ተጋደልቲ ግን ኣብ ኣስመራ ኮይና ክትሰርሕ መለሱዋ። ኣብ 1977 ግን ብናጻ ክትንቀሳቐስ፡ ክትመሃርን ክትሰርሕን ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጽሐት። ጓል ገጠር ተመሲላ ካብ ዛግር ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ፍልፍል ሰጊራ፡ ንታዕሊም ናብ ብሌቓት ወረደት። ኣብ መወዳእታ 1978 ከኣ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዛዚማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተመደበት። ኣብ 1981 ካብ ሳሕል ናብ ድሕሪ መስመር ብምውጻእ፡

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን