May 12, 2018

‘ታሪኽ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ክሳብ ናጽነት’ ብፍላይ ንተማሃሮ ቢት ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ሳዋ፡ ታሪኽ ኤርትራ ንምምሃር ዝተዳለወ ኣስከሬን ምህሮ (outline) እዩ። መጀመሪያ፡ ንመምሃራን ከም መበገሲ ምህሮ፡ ንተማሃሮ ኸኣ ከም መዘኻኸሪ ጽሑፍ ንኸገልግል እዩ ተዳልዩ። ይኹን`ምበር፡ ካብ ሳዋ ወጻኢ፡ ብቐዳምነት ከኣ ኣብ ሓይሊታት ምክልኻልን ንመንእሰያት ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ ከም ናይ ታሪኽ ኤርትራ መባእታዊ መምሃሪ ከገልግል ስለዝኽእል፡ ብመጽሓፍ ተሓቲሙ ይዝርጋሕ ኣሎ።
ታሪኽ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ፡ ዓሚቚ ምርምር ተገይሩሉ ዛጊት ኣይተጻሕፈን። ኤርትራውያን ተመራመርቲ፡ ብብዝሕን ዓይነትን ፈርዮም ናይ ታሪኽ፡ ስነ ጥንቲ፡ ስነ ሰብ፡ ስነ ልሳን፡ ወዘተ ሰፊሕን ዓሚቚን ምርምር ብምግባር ታሪኽና ብግቡእ ንምጽሓፍ ዝጽበየና ዘሎ ሃገራዊ ዕማም ዓቢ`ዩ። ነዚ ብድሆ`ዚ ክገጥሙ ዝበቕዑ ምሁራት ኤርትራውያን መንእሰያት ንምፍራይ ከኣ ቀጻሊ ጻዕሪ ከድሊ`ዩ። ኣብ`ዚ መዳይ`ዚ፡ እዚ መባእታዊ ትምህርቲ ታሪኽ`ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተገዳስነት ብምቕስቃስ፡ ምቕሉል ተራ ክህልዎ ዝኽእል ይመስለና።

Latest Articles

El-Alamein Joint Declaration: Between Egypt, Sudan,...

إعلان العلمين المشترك الصادر عن القمة الرباعية التشاورية بين مصر...

كلمة وزير الشئون الخارجية السيد/ عثمان صالح أمام الدورة الـ 81...