June 20, 2020

ለበዳ ኮሮና ዓለም ይወርር
ባህርያቱ፡ ሳዕቤናቱን ብድሕሪኡን

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ቀዳማይ፦ ተርእዮ ኮሮና
ቫይረስ ኮሮና ብ17 ሕዳር 2019 ካብ ማእከል ምብራቕ ኤስያ ብፍላይ ከኣ ካብ’ታ 59 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ውሃን ዋና ከተማ ኣውራጃ ሆቢ ተበጊሱ። ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ካብ ውሽጣዊ ለበዳ ናብ 188 ሃገራት ዓለም ብምዝርጋሕ ናብ ዓለማዊ ለበዳ ተሰጋጊሩ። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ነዚ ቫይረስ’ዚ ናብ ሰብ ዘመሓላለፈ እንስሳ ኣይተፈልጠን ኣሎ። ገለ ምሁራት ቀዳማይ ተሓታቲ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ መንካዕ’ዩ ይብሉ። እንተኾነ ነዚ ለበዳ’ዚ ዘመሓላለፈ ቤንጃብ ጻጸ’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ጠንቂ ናይ’ዚ ቫይረስ’ዚ ኣትማን’ዮም ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። እዞም ሰለስተ እንስሳታት እዚኣቶም ከኣ ኣብ ቻይና ከም መግቢ’ዮም ዘገልግሉ። ኣብ ዕዳጋታት ውሃን ድማ ዝያዳ ግኑናት እዮም።

download

Latest Articles

اليوم العالمي للمرأة 2026: المرأة الإرترية والقيادة عبر الأجيال

International Women’s Day 2026:

Gender: EPLF and Eritrean government initiatives