October 3, 2020

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ትማሊ 29 መስከረም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወኪሉ ኣብ መበል 75
ሓፈሻዊ መጋብኣያ ሕቡራት ሃገራት መደረ ኣስሚዑ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብማንዛዊ ኣገባብ ካብ ኣስመራ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እነሆ

ክቡር ኣምባሳደር ቮልካን ቡዥኪር ፕረዚደንት ሓፈሻዊ መጋብኣያ ሕቡራት ሃገራት፡ ክቡር ኣንቶንዮ ጉቴረሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ መጋብኣያ፡ ንክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወኪለ፡ ነዚ ቃል’ዚ ከስምዕ ክብሪ ይስመዓኒ። ናይ ሎሚ መጋብኣያ፡ ዓለምና ብሰበብ ህልቂታዊ ኮሮና፡ ኣብ ኣዝዩ በዳሂ ቀራናመገዲ ኣብ እትርከበሉ መድረኽ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ ናይ ዓሚ መስከረም 2019 መልእኽቲ ንሓፈሻዊ መጋብኣያ፡ “ድሕሪ ኣስታት ርብዒ ዘመን፡ ምስ ምብናን እንኮ-ቐጽራዊ ሕልሚ፣ ከምኡ’ውን ምግልባጥ ቁጠባዊ ሚዛን ሓይሊታት ዘኸተሎ ጽዕጹዕ (intense) ውድድርን ነውጺታትን፡ ዓለምና ኣብ ቀራና-መገዲ ንሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት” ከምእትርከብ ጠቒሰ ነይረ። ንኣፍሪቃና ኣብ ዝምልከት’ውን፡ “ኣብ ውሽጢ’ዚ ርብዒ ዘመን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሕልፊ፡ ጸጋታት’ቲ ክፍሊ-ዓለም ብዘይንሕስያ እናተዘምቱ፣ ምስናይ’ቲ

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን