August 9, 2025
ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ መፈጸምትኡ ንኽበጽሕን እቲ መሪር ወተሃደራዊ ግጥማት ብዓወትክዛዘምን ዝኸኣለ፡ ማሕበራዊ መዳያት ናይቲ ነዊሕ ገድሊ ንናጽነት ዘዘንቱ መጽሓፍ፡ እነሆ ተዳልዩ ኣሎ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ምስ ካልኦት ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ብምንጽጻር፡ ፍሉይን ብርቅን ተመክሮ እዩ። ፍሉይነቱ ሓደ ውሑድ ህዝቢ፡ ብዘይ ዝጠቅም ግዳማዊ ሓገዝ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተመርኲሱን ተኣማሚኑን፡ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ክድህኽ ዘንቀደ ግሎባዊ ስትራተጂን ዘሰነዮ ገዚፍ ወተሃደራዊ ዕንደራን ኣብ ነዊሕ ኲናት ጸሚዱ ብኣንጻባራቒ ዓወት ዝወጻሉ ታሪኽ ምዃኑ ኣዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ብኽብደቱን ምረቱን መዘና ዘይርከቦነዊሕ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝተጎናጸፈ ህዝቢ