September 20, 2026

ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ብጻይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡
ዝኸበርኩም ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ክሉኹም ተሳተፍቲ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ደቂ ዓባይ ድስትን፡ እንቋዕ ኣብ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮበሊዩ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ‘ረዚን ዝኽሪ፡ ንሓድሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ከነብዕል ኣብቃዓና። ቅድሚ 50 ዓመት ነዚ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ቅዱስ ሕልሚ ሓሊሞም፡ ንሕልሞም ክዉን ክኸዉን ከይተጻዕቱ ሰሪሖም ዕላማ ዘለዎም ብቑዓት ሃገራውያን ክንከዉን ዘኽኣሉና፡ ሓሰብቲ ናይ ሽዑ መንእሰያት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ክሉኹም መማህራንን ኣለይትን ሓካይምን ቤት ትምህርቲ ሰውራን እንቋዕ መጎሰኩም