October 3, 2026

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ክቡር ዶክተር ካሊሉር ራሕማን፡ ፕረዚደንት መበል 81 መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ.ሃ.፣
ክቡር ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣
ክቡራን መራሕቲ ልኡኻት፣
ዓመት-ዓመት፡ ኣብ ከም’ዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣእምሮ ቅጅል ዝብል ሕቶታት፡ እንታይ ክበሃል’ዩ? ዓመት ድሕሪ ዓመት ናይ ዝመጸ ምዕባለታት ምጽብጻብ ድዩ? ከም ዝኾነ ድግስ፡ ናይ ህዝባዊ ርክባት ድርሳን ምስማዕ ድዩ? ዓመት-ዓመት ቀጻልነት ዘለዎ ስሩዕ ኣጀንዳታት ኣሎ ድዩ? እቲ መቓን (contex) እንታይ’ዩ? ተልእኾ ናይቲ መጋባእያ እንታይ’ዩ? መለክዒ ገስጋስ እንታይ’ዩ? ወዘተ …ወዘተ። ኣብ ዝሓለፈ መጋባእያታት፡ ኪኖ ምጥቃስ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ኣህገራዊ ውድብ ንምፍጣር ዝድርኽ፡ ሃንቀውታ ህዝብታት ንሰላምን ዕብየትን ራህዋን፡ …. ነቲ ሃንቀውታ ዘንቀለ ቀዳማይ ብደሆ (ቁጠባዊ በደል/injustice) ፡ ዕላማታት ህላወ ኣህጉራዊ ውድብ?