January 9, 2016

መቕድም
ስለምንታይ እዛ መጽሃፍ እዚኣ?

ስለምንታይ እዛ መጽሃፍ እዚኣ?ንሓንቲ ስፍራ ዝኸውን እኽሊ ኣብ ቆፎ ይዕቀብ፡ ንሓንቲ እንዳ ኣብ ማዕከን፡ ንሓደ ዉሁብ ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ዝኣክል ከኣ ኣብ ሪቕ ይኽዘን።

ብተመሳሳሊ ካብ ዝሓለፋ ናይ ቃልሲ ወሎዶታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ነፍሲ-ዘከፍ ወዲ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋሪ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እጃም ዘበርከተ ኩሉ፡ ናይ ውልቁ ቆፎ ተዘክሮታት ወይ ታሪኽ ኣሎዎ። ይኹን`ምበር ከምቲ ኣብ ቆፎታትን ማዕከናትን ተዓቂቡ፡ ካብ ግቡእ ግዜኡ ንላዕሊ ዝተከዘነ እኽሊ ኣደዳ ነቐዝ ዝኸውን፡ ፈቐዶኡ ተዓቂቡ ዘሎ መስተንክር ዝመልኦ ታሪኽና`ውን ተመሳሳሊ ዕድል ከጓንፎ ኣብ ጫፍ ደልሃመት ዝሎ ኰይኑ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ ድማ ሓያሎ ኣርካናትና፡ ማዕከናት ታሪኽና ብሕቱሙ ከይተኸፍተ ሒዞሞ ብሞት ይፍለዩና ስለ ዘሎው። እቲ ዝምልከቶ ኣካል ባዕሉ ስጉምቲ ይውሰደሉ ኢልካ፡ ኢድካ ኣጣሚርካ ትም ምባል ከኣ፡ ንነቐዝ ባልዕን ዕድል ምሃብ ስለ ዝዀኑ፡ ብወገነይ ብቑዕ ምኽንያት ኣይመስለንን።

ዳሕረዋይ ክልተ ወሎዶ፡ መዘና ዘይብሉ ናይ መኸተ ታሪኽ ሰሪሑ ናጽነት ኣጎናጽፉ እንሆ። ብደምን ኣዕስምቲን ብሉጻትና ዝተነድቀ መስተንክራት ዝመልኦ ታሪኽና እንተ ዘይተወሪቑ ግን፡ ክውን ታሪኽ ከም ዘይተሰርሐ፡ ብኣፍ ዝንገር ናይ ደቂ ሕድርትና ጽውጽዋይ ኮይኑ ክተርፍ ኢዩ። ደቅናን ደቂ ድቅናን ድማ ጽውጽዋይ ኢዮም ክወርሱ።

ካብ ነዊሕ ዘመናት ኣትሒዙ፡ ዝተፈላለዩ ገዛእቲን ሓያላትን ነዛ ንእሽቶ ሃገርና ክመናጠሉላ ዝተጓየዩን ዝጓየዩ ዘሎውን፡ ንጆግራፍያዊ ኣቀማምጣና ጸጋታትናን ስለ ዝሃረፍዎ ጥራይ ኢዮም። እዛ ፍትሒ-ኣልቦ ዓለምና ገጸ-ባህርያታ ክሳብ ዝመዓራረ ከኣ መኸተናን ታሪኽናን ቀጻሊ ኢዩ ክኸውን።

እሞ መኸተና ቀጻሊ ካብ ኰነ፡ ደቅና ኣብ እንታይ ታሪኽ ተመኲሶም ኢዮም መኸቶኦም ከጽንዑ። “መኸተኻ ተረከብ” ማለት እኮ “ታሪኽካ ተረከብ” ማለት ኢዩ።

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie