March 26, 2016

ጸጥታዊ-ቅርጺ ዓለማዊ ስርዓት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን

ጸጥታዊ-ቅርጺ ዓለማዊ ስርዓት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን

ድሕረ-ባይታ

ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ-ዘመን፡ መመሊሱ እናገደደ ዝኸይድ ቀጻሊ ዕግርግር፡ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ርግጸት ፍትሕን ስእነት ውሕስነት መሰላት ሰብን ገኒንሉ ዘሎ እዋን እዩ። ቅልውላውን ዕግርግርን ካብ ዞባ ናብ ዞባ እናለሓመ፡ ሃልሃልታኡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንዝሰፍሐ ከባቢታትን ህዝብታትን ይልብልብ ኣሎ። ሰፊሕ ዞባታት ናይ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜንን ምብራቓውን ኣፍሪቃ ብኣዕናዊ፡ ግን ከኣ ክውገድ ዝኽእል ኲናት ይሕመስ ኣሎ። ዝሓቶ ዘሎ ሰብኣውን ቁጠባውን ዋጋ ከኣ ዘስካሕክሕ እዩ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝብታት ኣብ ውሽጢ ዓድታቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ። ሚልዮናት ካልኦት ከኣ ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ክዕቆቡ ብኣዝዩ ሓደገኛ ጉዕዞ ይሰደዱ ኣለው። እዚ ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ፊናንስያዊ ቅልውላውን ካልእን ዘጋደዶ፡ ኣብተን ተቐበልቲ ሃገራት ዘሎ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ስምዒታት ኣብ ዝጓሃሃረሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ከኣ ተወሳኺ ጸገም እዩ።

እዚ እናተጠናነገ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ቅልውላውን እናተራብሐ ዝመጽእ ዘሎ ውግኣትን፡ ብርግጽ ዘቤታዊ ኣንፈትን ጠንቅን እዃ እንተለዎ፡ ዝበዝሕ እዋን፡ እዞም ኣብዚ ዘተሓሳሰበ ዘመን ዝውልዑን ዝጓሃሃሩን ዘለዉ ውግኣት ብናይ ወጻኢ ኣጀንዳታትን ረብሓታትን ዝምብድበዱ ዘለው እዮም።

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie