June 13, 2017

መግለጺ

ዞባና ወይ ጎዶቦና ተሓሪሙዎ ዘሎን ዝጸንሐን ጸጋ፡ ድሕነትን ርግኣትን’ዩ፣ ጠንቂታት ናይ’ቲ ነውጺ፡ ብዙሓትን ዝተመሓላለኹን፡ ግዜ ዝበልዑን’ዮም፣ ሰበብን ኣሳበብቲን ገቲእካ፡ ዘላቒ ድሕነትን ርግኣትን ምውሓስ ከኣ፡ ዘይቀሊልን ግዜ ዝወስድን፡ ሕቡር ጻዕሪ ዝሓትትን’ዩ፣ ሰረተ-እምነት ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ሃገረ ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ መረዳእታ ዝምርኰስ’ዩ፣

ግብጺን ስዑዲያን ኢማራትን ባሕሬንን ካልኦትን ወሲደንኦ ዘለዋ ውሳነ፡ ንቐጠር ጥራይ ዘይምልከት – ክህሎት ቐጠር ኣዝዩ ድሩት ስለዝዀነ – ንዞባዊ ድሕነትን ርግኣትን ዘማዕዱ፡ ሓደ ካብ ብዙሓት፡ ናይ ቅኑዕ መኣዝን ተበግሶ’ዩ፣ ስለ’ዚ ኸኣ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዝዕደመሉን ዘድምጸሉን ዘይኰነ፡ ንጡፍ ደገፍ ዝህበሉ እዋናዊ ጉዳይ’ዩ፣ ኪኖ እዋናውነቱ፡ መጻኢ መርሓ-ጐደና ምጽዕዳው ከምዘድልዮ’ውን ግንዛበ ይሓትት፣

ሚኒስትሪ ዜና

Latest Articles

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...