June 17, 2017

መቕድም

ካብ 1941 ክሳብ 1962 ዝዝርጋሕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኣተሓሳስባኡ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ኣቃውማኡን ናይ ሓባር ድሌታቱን ኣዕሚቑ ዝጸለወ ስለዝኾነ፡ ኣገዳስነቱ ብኡ መጠን ዝርአ እዩ። ኣብ መዋእል ናይ ሓደ ህዝቢ፡ ዕስራ ዓመት ኣዝዩ ሓጺር እዩ። ግን፡ ኣብ ውሽጢ’ተን ዕስራ ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብግዝኣት ብሪጣንያ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ ፈደራል ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ ነፍሱ ኸመሓድር ፈቲኑ፡ እዚ ምዃን ምስ ኣበዮ፡ ደረጃ ብደረጃ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ብረታዊ መኸተ ሰጊሩ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብበይናዊ ስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጐቢጡ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ሃገር ኣትዩ።
እቲ ጊዜ ዝተወሳሰበን ዝተሓላለኸን ፍጻሜታት፡ ኣብ ሓድሕዱ ዝጋጮን ዝተሓዋወስን ድሌታትን ጥሙሓትን ዜጋታት፡ ነዚ ዘጋድድን ዝዘራርግን ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንሓደ መኣዲ ዝተሻመወሉን ዝተመናጠለሉን እዩ ነይሩ። ድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያን ንዕኡ ንምስጓጒ ብብሪጣንያን ሓዙታን ዝተኻየደ ኲናትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ርግእ ኢሉ ናብራኡ ኸመዓራሪ ኣይከኣለን። ኩለን’ተን ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናየንን እቲ ህዝቢ ዝሓለፈን ፍጻሜታት፡ ጊዜን ትንፋስን ከይሃብኦ እየን ሓደ ድሕሪ ሓደ ህሩግ ዝብልኦ ዝነበራ። ብሓቂ፡ ትንፋስ ዘይህብ ዕስራ ዓመት’ዩ ነይሩ።

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie