July 1, 2017

.ደምዳሚ ኣዋጅ 7ይ ጉባኤ
ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ)

ሻውዓይ ጉባኤ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ‘’ሓያል ውዳበ ንኣድማዒ ማሕበር’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካብ 27-29 መጋቢት 2017 ዓ.ም፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ዕዱማት፡ ተዓዘብቲን 255 ተጋባእቲን ዝርከብዎም 519 ሰባት ተሳቲፎም። ብዘይካ’ዚ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ዝርከቦም፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ 30 ወከልቲ ኣህጉራዊን ዞባዊን ሞያዊ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ትካላትን እውን ተሳቲፎም።

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ነዊሕን ዘሐብንን ድሕረ ባይታ ቃልሲ ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዝተሰረተ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዘሰላሰሎ ዕማምን ናይ መጻኢ ምረሻኡን ምሕታት እዋናዊ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ምምላስ – ንኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኣካላት መንግስቲ፡ ማሕበራት፡ ኮርፖረሽናትን ዝተፈላለዩ ዋኒናትን ዘሳትፍ ምዃኑ ሓቢሩ። ራኢን ስትራተጂን ናይ ዝሓለፈ ጉዕዞ ርብዒ ዘበን ህንጸት ሃገር፡ (1) ዘላቒ (Sustainable) ምምሕያሽ ዓይነት ሂወት ዜጋታት ናይ ምርግጋጽ ሽቶ ምዕቃብ፡ (2) ንሓቀኛ ቁጠባዊ ዕብየትን ራህዋን ፍርያት

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie