October 13, 2017

ምዕራፍ 4. – ናይ ምስክር መርትዖ

Part VI

ዓንቀጽ 221. – መሰኻኽር ዚህቡዎ መርትዖ

(1) ብመሰኻኽር ዚወሃብ መርትዖ ብሕጊ ፍቑድ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት፣ ቤት ፍርዲ፣ ሓደ ካብ ተኸራኸርቲ ወገናት መሰኻኽር ኪምርመሩ ምስ ዘመልክት፣ እቲ ብመርትዖ ኪረጋገጽ ዚድለ ዘሎ ክውንቶታት ኣከራኻሪ ምስ ዚኸውን እሞ፣ ኣብቲ ጕዳይ ንዚወሃብ ውሳነ ዚመርሕ ምስ ዚኸውንን፣ መሰኻኽር ኪምስክሩ ይእዝዝ። ቤት ፍርዲ ብገዛእ ስልጣንውን ከምኡ ኪገብር ይኸእል።
(2) እቲ ቤት ፍርዲ ዚህቦ ትእዛዝ፣ ኣየናይ ወገን መርትዖ ኸቕርብ ከም ዝሕተት፣ መርትዖ ኪቐርበሎም ዚድለዩ ክውንቶታት፣ ከምኡውን መሰኻኽር ዚምስክሩሉ ቦታን ዕለትን ግዜን ይገልጽ። መሰኻኽር ዚምስክሩሉ ቦታን ግዜን ቤት ፍርዲ ቐጺሉ ኣብ ዝህቦ ትእዛዝ ኪወስን ይኽእል።

Latest Articles

Promoting Social Justice in Eritrea: The Role of an...

Director General of the National Museum, Dr.Yosief...

President Isaias Afwerki’s Interview With Local Media...