June 30, 2018

ኤርትራ፣ ምድረ ባሕሪ
4
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ፣ ሓርነታ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ(1)፣፣

ብኣልኣሚን መሓመድ ሰዒድ
1- ምጭጫሕ ፖለቲካዊያን ውድባት

መንሱር፣ ቆላሕታ ወለዱን ምሉእ ሓልዮት ስድራ-ቤቱን እናወነነ መጽአ፣፣ ወይዘሮ ሙሉክ ዓብዱልቃድር ኣብ ወዲ-ወዳ መንሱር ዝነበረ ፍቕርን ናብዮትን፣ ዝኾነ ሰብ እንተላይ ኢድሪስን ፋጥማን፣ ክሻረኹዋ ፍቓደኛ ኣይነበረትን፣፣ ወትሩ ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ካብ ድቃሳ ተንሲኣ፣ ተቐላጢፋ ነታ ንመንሱር ዝተሓዝአት በጊዕ ሓሊባ፣ ከይኣፍቀደት ናብ መደቀሲ ኢድሪስ ተምርሕ፣፣ ንመንሱር ካብ ሑቕፊ ወላዲቱ መንዚዓ፣ ሰብነቱ ሓጺባ፣ ነታ ጸባ በጊዕ ዝመልአት ቶፈት (1) ተቕርበሉ፣፣ መንሱር ነቲ ጸባ ወዲኡ፣ ነታ ቶፈት ናብ ባይታ ምስ ዝስንድዋ፣ ወይዘሮ ሙሉክ ከም ዝጸገበ ስለ ትርዳእ፣ ቅሩብ ኣጻዊታን ኣስሒቓን፣ ናብ ወላዲቱ ትመልሶ፣፣ ኢድሪስ ካብ ድቃሱ ክሳብ ዝበራበር፣ ምድሪ-ቤት ትኹስትርን ዓታሩ ማይ ትመልእን፣፣ ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚራ ድማ ክሳብ ምሸት ማለት፣ ኢድሪስ ካብ ስራሕ ዝምለስ ንመንሱር ከይተፈለየቶ ትውዕል፣፣

Latest Articles

Promoting Social Justice in Eritrea: The Role of an...

Director General of the National Museum, Dr.Yosief...

President Isaias Afwerki’s Interview With Local Media...