December 22, 2018

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ካልኣይ ክፋል
ኣልማማዊ ቝጠዐ
ቀዳማይ ምዕራፍ፣
ምብ’ ርባር

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
(6)

ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ 1956-1958 ኣብ ግዜ ልፍንታዊ ቀዳማይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሱዳን (1)፣ ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ፖለቲካዊ ደገፍ እኳ እንተ ረኸበ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣባላት’ዚ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይድ ውድብ ክጥርነፉን ክውደቡን ከኣሉ። እቲ ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ሱዳን ዝቖመ መንግስቲ፣ ምስ ስርዓት ሃይለስላሰ ዝምድንኡ ብዋጋ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕያል ብምብጋሱ፣ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኤርትራውያን ኣብ ከተማታት ሱዳን፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ምብራቕ ሱዳን ብኣሉታ ክጽለዉ ናይ ግድን ኮነ። እድሪስ ከም ልማዱ፣ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣቶ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ቡን እናሰተየ ከሎ፣ ብርሑቕ ሓደ ቀደም ዝፈልጦ ንጡፍ ሰዓቢ ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ናብኡ ይመጽእ ከም ዘሎ ተዓዘበ። ድሕሪ ሓጺር ናይ ሰላምታ ምልውዋጥ፣-“ንጡፍ ኣባል ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝኾንካ፣ ብገለ ብጾት ስለ ዝተሓበርኩ ምሳኻ ምርኻበይ ዘሐጉስ’ዩ።” በለ’ቲ ሱዳናዊ።እድሪስ፣ በቲ ንጡፍ ሱዳናዊ ዝቐረበ ናእዳ እንዳ ተሰከፈ:-“ኣርሕብ ቀደም በል። ብሓቂ፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie