March 23, 2019

ዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደው
ምቕሉል ጅግንነት ንምሕያልን ሓርበኝነት ንመጻኢ ወለዶ
ንምውራስን ግን፡ እቲ ታሪኽ ኪንገር ግቡእ`ዩ።”
ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቕያታት ዝመልኦ ሕልፍ ዝበለ ተመክሮ ምዃኑ ንግንዘቦን ንደጋግሞን ኢና። ይኹን`ምበር፡ ዛጊት መሊእናስ ይትረፍ ብኣፈና`ውን ስለዘይተረኸናዮ እናሓደር ዝኸብድ ዓቢ ሸኽም ኰይኑና ምህላው ማዕረኡ ንግንዘቦን ንደጋግሞን ኢና። እቲ ጸገም እናተፈልጠ ይቕጽል ምህላው ኸኣ ብርግጽ ሓደ ስግንጢር ኩነት`ዩ። እዚ ቅያዊ ታሪኽ ጅግንነትን ሓርበኝነትን`ዚ፡ ነጋርን ጸሃፍን ሳኢኑ ዳርጋ ዓባስ ኰይኑ ምህላው እምበር ፍጹም ክምኽነን ክጽወርን ኣይክእልን። እዚ ስግንጢር`ዚ ከይተፈትሐ ክቕጽል ምግዳፉ፡ ስግር ሃላፍነት ምዝንጋዕ፡ ንታሪኽና፡ ንታሪኽ ሰማእታትና፡ ነቲ ኩሉ ዘይተነግረ ቅያታቱን ጅግንነቱን፡ ተወፋይነቱን እምነቱን፡ ዝደረኾን ዝጸሮን ንጹህ ሕልናን ኣተሓሳስባን ምብዳል`ዩ። ታሪኽና ምብዳል ከኣ ንነብስናን መጻኢ ወለዶታትናን ምብዳል ስለዝኰነ መዘዙ ብዙሕን ነባርን`ዩ። ስለዚ፡ ንታሪኽና፡ ምስቲ ኩሉ ሓይሉን ህያውነቱን፡ ዕብየቱን ድምቀቱን፡ ስፍሓቱን ዕምቈቱን፡ ክንትርኾ፡ ክንገልጾ፡ ክንርዳኦ፡ ከነመሓላልፎ ግድን ክንፍጽሞ ዘለና ህጹጽ ሃገራዊ ሓላፍነት`ዩ። ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ደቁን ታሪኽ ክሰርሑ ዘይኣገሞም ዘይጸገሞም፡ ታሪኽ ክጽሕ

Latest Articles

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...