February 12, 2021

ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ምውጋድ ክሽቦ፡
ክስዓብ ዘለዎ ተመክሮ ኤርትራ

ሙሓመድ ኑር ያሕያ

ዓለማዊ መዓልቲ ክሽቦ ከምቲ ልሙድ ብ6ተ ለካቲት 2021 “ኣብ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ምሕረት ዘይምግባር “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብዓለም ደረጃ ተዘኪሩ ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝግብር ጎነጽን ከም ምዝውታር ክሽቦ ዘኣመሰለ ሃሳዪ ልምድታትን እና ወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣነጺሩ። ምኽትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ኣሚና ሙሓመድ ብምኽንያት ኮፊድ 19 ንዓሰርተ ኣዋረሕ ዝእክል ዝቀጸለ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ብምስጢር ዝካየድ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንክንህር ባይታ ከም ዝፈጠረን ፡ንደቂ ኣንስትዮ ዝከለኸል ኣሰራራሓታት ‘ውን ከምዝተዳኸመን ገሊጻ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመዳይ ክሽቦ ኣብ ጸብጻቡ ንሱዳን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣብታ ሃገር 12 ሚልዮን ዝብዝሐን ደቂ -ኣንስትዮ ግዳይ ናይ’ዚ ድሑር ልምዲ እዚ ክም ዝኾና በብግዚኡ ብዝበጽሕዎ ጸብጻባት ከምዘረጋገጸን፡ ኣብ ከንያ ‘ውን ኣብ ዓመተ 2020 መጠን ምክንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ 9 ዞባታት እታ ሃገር ብ 121% ክብ ከም ዝበለን ኣብሪሁ። ብዘይካ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ከባቢታትን ተግባራት ክሽቦ ሕጋዊ መግትኢ ከምዘይተገብረሉን ብልዑል መጠን ይዝውተር ከም ዘሎን ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ኣብነታት ተጠቒሱ ኣሎ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie