July 23, 2021

ጒዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ
ደራሲ : ኣሕመ ድ ጣህር ባዱሪ

ኣእምሮ ወድ ሰብ ናይ ምርሳዕ ጸጋ ወይ ህያብ እተዓደለ`ዩ። እዚ ፍሉይ ባህሪ`ዚ ተፈጥሮኣዊ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ምስጢራት ህላወ`ዩ። ልክዕ`ዩ፡ ኣእምሮ፡ ሞት ምህላዋ ዘኪሩን ንዘልኣለም ካብ ህይወት ክስወር ምዃኑ ተረዲኡን ኣብ ቀጻሊ ፍርህን ጭንቀትን ከይኣቱ ዝከላኸለሉ ነገር እንተሎ፡ እዚ ናይ ምርሳዕ ባህሪኡ`ዩ። ስለ’ዚ ክርስዕ ዓቕሚ ካብ ሃለዎ፡ ንኽምሕርን ካብ ቂም፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ጽልእን ቅርሕንትን ክርሕቅ`ውን ዓቕሚ ይህልዎ`ዩ።
ይኹን`ምበር፡ ምርሳዕ ናቱ ኣሉታዊ ሸነኻት ኣሎዎ። ወድ ሰብ፡ ከም ህይወታዊ ፍጡር፡ ንንጥፈታት ህይወቱ ዝምልከቱን ዝሕብሩን ጭብጥታት ከይተረስዑ ከለዉ መዘኻኸሪ ምስልታትን ጽሑፋትን ወይ ኣሰራትን እንተ ዘይገይሩሎም፡ ቀልጢፎም`ዮም ዝጠፍኡን ዝርስዑን። ነዚ ዝምልከት ሓደ ገጣማይ ከምዚ ይብል፡

download

Latest Articles

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...