September 24, 2021

ርእሰ-ዓንቀጽ
ዕንደራ ወያነ ዘሳሲ ዘሎ ሸፈጥን ጠቐነን

ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ንኣስታት 11 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው፡ ዝሓለፈ ሕዳር 2020፡ ወያነ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ – ሰሜን እዚ ብዝፈጸሞ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ዝተወልዐ፥ እቲ ጃንዳ እውን ባዕሉ ዝተጃህረሉ፡ ከም ብርሃን ጸሓይ ድሙቕ፡ ዘይማትእ ፍጻሜ እዩ። ውጥን ናይ’ቲ ሕልማዊ ዕንደራ፡ ነቲ 80% ኣጽዋር ኢትዮጵያ ዝዓጠቐ፡ ኣብ’ቲ ክልል ዝነበረ ልዕሊ 30,000 ሰራዊት ደምሲስካን ዕጥቁ መንዚዕካን ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምግስጋስ መንግስቲ ምግልባጥ፣ ድሕሪኡ እንተተኻኢሉ ንኤርትራ ምውራር እዩ ነይሩ። ድሕሪ’ቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተቓልዐ ምስጢራዊ ሰነድ ወያነ ከምዝክሽሖ ድማ፡ እቲ ውጥን ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ናይ’ቲ ውድብ ተዘትይሉ ዝጸደቐ እዩ ነይሩ። ዕንደራ ወያነ፡ ዛጊት ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወትን ኣኸቲልዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ እምብዛ ከቢድ እዩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ድሙቕ እናኾነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ነዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ገበን ብምኽዋል፡ ንወያነ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሓጢኣት ናብ ካልኦት ንምስልባጥ፡ ብስም ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣዊ ሓገዝን ክካየድ ዝጸንሐ ኣእዛን ዘደንቁር ውሁድ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ ኣዝዩ መስደመም

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie