July 27, 2022

ሓተታ፥
ማሕበራዊ ክብርታትና – ክብረትና ሓበንና

እዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ንደቂ-ሰብ፡ ንኹሉ ሕብረተሰባት፡ ንኹለን ሃገራት – ፈታኒ’ዩ ኔሩ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ነተን “ማዕቢልና ኢና፣ ሕክምናዊ ዓቕሚናን ኣገልግሎታትን በቃ ዘበለ’ዩ” ኢለን ዝጀሃራ ዝነበራ ሃገራት፡ ዕርቃነን ኣውጺእዎ። ዜጋታተን በቲ ለበዳ ብኣእላፍ ክልከፉን ክቕዘፉን ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝተሓላለያን ዝተሓጋገዛን፣ ሓድሕደን ክካሰሳን ክባላዓን ተራእየን። ‘ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ’ ኰይኑ።
እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ – ከም ወሰኽ መጠን-ሙቐት፡ ብርትዐ ህቦብላ ማይን ዕልቕልቕ ወሓይዝን – ኣብ ዝቕልቀለሉ ግዜ’ውን ይድገም ኣሎ። ንዓቕሚ ሃገራትን ሕብረተሰባትን፣ ከምኡ’ውን ንማሕበራዊ ስኒት ህዝብታተን፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ደረቱ ይመጦ ኣሎ።
ኲናት ዩክሬን ድማ – ገና መንፈቕ ከይሓለፎ – ሃገራት፡ ኣውራ ሃገራት ምዕራብ፡ ጉልባበን ዝቕልዓሉ፣ ምስሉይነተን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል፥ ናጽነት ፕረስን ስነ-ጥበብን፥ ናጽነት ስፖርት ካብ ፖለቲካ፥ ሰላምን ሰላማዊ ፍታሕን፥

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie