September 12, 2022

ሓሶት፡ ጥልመትን ምትላልን
ከም ጥበብ ፖለቲካ

10 መስከረም 2022

ጃንዳ ወያነ፡ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣሳልጦ ሰብኣዊ ረድኤት ተባሂሉ እተኣወጀ “ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹስ” (permanent truce) ባዕሉ ኣፍሪሱ ከብቅዕ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብስልበጣ ወንጂሉ፡ ንሳልሳይ ግዜ ሓድሽ ናይ ኩናት ዕንደራ ብ24 ነሐሰ ከምዝወልዐ ዝዝከር’ዩ። ባህርይ ናይቲ ጃንዳን ኣሳሰይቱን ንዝፈልጥ፡ እዚ ሓድሽን ዘገርምን ኣይኮነን። ጃንዳ ወያነን ኣሳሰይቱን፡ ሓሶት፡ ጥልመትን ምትላልን ፖለቲካዊ ባህሎም’ዩ። ዓሚ ሰነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በይናዊ ተዂሲ ናይ ምቊራጽ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰደሉ፡ ወያነ ከም ድኻም ወሲዱ፡ ገዚፍ ሓይሊ ኣኽቲቱ ክሳብ ሰሜን ሽዋ ምብጽሑ ዝዝከር’ዩ። ኣሸቀልቱ ድማ፡ “ጂኖሳይድ” ብዝብል ጠቐነ፡ ኣእዛን ከደንቊሩ ከምዘይጸንሑ፡ ብዘይ ሕንከት ግልብጥ ኢሎም፡ ንዓቕሚ ወያነ ምሒር እናጋነኑ ናይ ደስ-ደስ ክጭፍሩ፣ ኢትዮጵያ ከቢድ ሓደጋ ከም ዘንጸላለዋ ኣምሲሎም ድማ፡ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ-ኣበባ ክወጹ መናፍሕ ፕሮፓጋንዳ ከድምቑ ተራእዮም። ንድሕሪት እናተመልስካ ዝኽሪ ምስ ዝብርበር፡ ብዛዕባ ሓሶት፡ ጥልመትን ምትላልን ወያነን ኣሳሰይቱን ብዙሕ ምባል ይከኣል’ዩ። ቀቅድሚ ናይ ሕዳር 2020 ቀዳማይ ዕንደራ ወያነ፡ እቲ ጃንዳ ነጋሪት ኲናት ኣብ ዝድስቐሉ ዝነበረ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝወከሉ፡

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie