May 7, 2026

ኣብ’ዚ፡ እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንዐ ዘይምኽኑይ እገዳታት ንኽለዓል ስጒምቲ ናይ ምውሳድ ተገዳስነት ከምዘሎ ዝእመተሉ ዘሎ ህሞት፡ ንታሪኽን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ቅኑዕ ኣንፈት ንምትሓዝን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ዕቱብ ገምጋም ምክያድ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ መወዳእታ 2009፡ ኣብ ቅንያት ‘ክሪስማስ’፡ ምምሕዳር ኦባማ ዝፈብረኮን ዝደፍኣሉን፡ ዝዀነ ጭብጢ ወይ መርትዖ ዘይነበሮ፣ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ዓላቚ እገዳ፡ ብስም ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተበዪኑ። መጐታዊ ኲነኔና፡ ሽዑ ኣዊጅና። እቲ ዝገርም፡ ሽዑ – ናይ ፈደረሽን ሩስያ ወኪል ኣብ ኒውዮርክ፡ ንናይ ምምሕዳር ኦባማ ዓሎቕ ብሙሉእ ኪድግፍ ከሎ፡ ናይ ቻይና ወኪል ከኣ ስማዊ ‘ኣብስተንሽን’ ኣብ’ቲ ግሁድ ዓሎቕ ኣመዝጊቡ።