September 9, 2017

ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራ
ቀዳማይ መጽሓፍ – ኣፈናዊ ነገራት
ቀዳማይ ኣርእስቲ – መሰረታውያን ድንጋገታት

ዓንቀጽ 1. – ተፈጻምነት

(1) እዚ ሕጊ፣ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራ ተባሂሉ ኺጥቀስ ይከኣል። ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ድማ ተፈጻምነት ይህልዎ።
(2) ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት፣ ኣብ ክለ-ስልጣን ኮማዊ ኣብያተ ፍርዲ፣ ኣብያተ ፍርዲ ዞባ፣ ላዕለዋይን ርእሰ-ኣብያተ ፍርድን ንዚቐርቡ ሲቪላውን ንግዳውን ጕዳያት ንምድናይ ኣብ ዚካየድ መስርሕ ዳንነት ተፈጻምነት ይህልዎ።

ዓንቀጽ 2. – ትርጉም

(1) ኣተኣታትዋኡ ዝተፈልየ ትርጉም ዚህብ እንተ ዘይኰይኑ፣ እዞም ስዒቦም ዚርከቡ ቓላት ወይ ሓረጋት ከምዚ ዚስዕብ ትርጉም ይህልዎም፥

(ሀ) “ቃለ-ማሕላ” ማለት በቲ ወሃብ ቃል ሓቅነቱ ብሕጋዊ ኣገባብ ብዝተዋህበ ማሕላ ወይ ምርግጋጽ ተሰንዩ ብጽሑፍ ዚወሃብ መግለጺ ኽውንቶታት ማለት እዩ።

Latest Articles

Statement by Foreign Minister Osman Saleh

ምሕያል ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ

Exploring the Marine Wonders of Eritrea