August 31, 2019

መልእኽቲ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡
ናብ 7ይ መጋባእያ ‘ቲካድ

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣበ
ክቡራት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን
ክቡራትን ክቡራንን ተጋባእቲ
ስለ’ቲ ዝካየድ ዘሎ 7ይ መጋባእያ ‘ቲካድ’፡ ንናይ መንግስቲ ጃፓን ዕቱብን ዘይሕለልን ተገዳስነት ንምምስራት ሽርክነት ምስ ኣፍሪቃ፡ ብስም መንግስቲ ኤርትራ ድገኛ (sincere) ምስጋና ከቕርብ ይፈቐደለይ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ‘ቲካድ’ ካብ ዝተበገሰሉ፡ ብዓለም ደረጃ ኣብ ኣመሪካታት፡ ኤውሮጳ፡ ኤስያ. . .ዝተኸስተ ለውጢታት ደርማስ’ዩ። እንኮ-ቐጽራዊ ዓለም ንምፍጣር ወይ በንጻር ታሪኻዊ መጐት ክውን ንምግባር ዝተሃቀነ ኩሉ፡ ኣይተዓወተን። ቁጠባውን ልምዓታውን ዕብየታት ዝተፈላለያ ጐብለላት፡ ብዝተፈላለየ ናህሪ ሰጒሞም፡ ኣሰራርዓ ደረጃታት ተገላቢጡ። ብመንጽር’ቲ ምግልባጣት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና ዝርአ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምሕቋናት፡

download

Latest Articles

Eritrea’s Agricultural Development Over the Past 35...

Eritrea: The Long Road to Independence

خطاب الرئيس اسياس أفورقي بمناسبة العيد الخامس والثلاثين...