May 3, 2021

መግለጺ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት
ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ብኣጋጣሚ ባሕቲ ግንቦት
ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት 2021

ዕዮ፡ ንሓምላይ ልምዓት!
ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት 2021 ብደረጃ ኣህጉር ንመበል 131፡ ኣብ ሃገርና ኸኣ ንመበል 30 ግዜኡ ‘ዕዮ፡ ንሓምላይ ልምዓት!’ ብዝብል ቴማ ይዝከር ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ሰራሕተኛታት እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓና ንብል።
ናይ ሎሚ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝተኸስተ ለብዒ ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ-19 ክሳዕ’ዚ እዋን’ዚ በዳሂ ኰይኑ ይሓልፍ ኣብ ዘሎዎሉ እዋን’ዩ ዝዝከር ዘሎ። እዚ ብድሆ’ዚ፡ ዓለማዊ መልክዕ ዝሓዘ ከም ምዃኑ መጠን ብንቕሓትን ኣተኵሮን ምርኣዩን ተበግሶ ምውሳድን እንተ ዘይኰይኑ ከተምልጠሉ’ውን ዝከኣል ኣይኰነን።
ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 500 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ኸለዉ፡ 1.6 ቢልዮን ኣብ ዘይወግዓዊ ጽላተ-ቝጠባ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ከኣ ኣብ ከቢድ ናይ ናብራ ብድሆ ይርከቡ።

Latest Articles

اليوم العالمي للمرأة 2026: المرأة الإرترية والقيادة عبر الأجيال

International Women’s Day 2026:

Gender: EPLF and Eritrean government initiatives