May 19, 2018

መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

“ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ንካርቱም ኣብ ዝገበሮ ኣጋጣሚ ዑደት፡ ክልቲኣቶም መንግስታት ‘ንዕጡቓት ተቓውምቲ ኤርትራ’ ዝብልዎም፡ ብዝግባእ ተርኦም ምእንቲ ከሰላስሉ፡ ኣብ ደዶባቶም ምሉእ ደገፍ ኪህብዎምን ኣብ ዶባቶም ካብን ናብን ብሓርነት ኪንቀሳቐሱ መሳለጥያታት ከዋድዱሎምን ተሰማሚዖም። ምውህሃድ ናይ’ቲ ስርሒታት ዘድምዕ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ካርቱም ኤምባሲ ከም ቈንስልን ኣወሃሃዲ ቐጠር ትምውሎም ጅሃዳዊ ውድባት ዝሰርሕን ቡርሃን ዝተባህለ፡ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ከኣ ልዋእ (ጀነራል) ሓምዲ ኣል’ሙስጣፋ ከም ኣወሃሃድቲ ስርሒታት ተመዚዞም።” ተባሂሉ።
እቲ ዛንታ ሓድሽን ዘገርምን’ኳ ተዘይኰነ፡ ዓጀብ ዘብል’ዩ።

ሚኒስትሪ ዜና
14 ግንቦት 2018 – ኣስመራ

Latest Articles

Keynote Address by Minister Arefaine Berhe

Mr. Tekleab Mesghena: “Developing Eritrea’s National...

The Historical Trajectory of Eritrea’s National...