August 21, 2023

ቃለ-መሕትት

ምስ ደራስን ጋዜጠኛን ዘመንፈስ ሃይለ ኣብ መጽሓፍ “ኣቦይ ግርማይ” “ሰራሕቲ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ተረኽቲ ታሪኽና እውን ክንከውን ኣለና”

ተስፋይ ዕቚባይ
ሕቶ፦ ንኣንበብቲ ‘ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ’ ምሳኻ ንምልላይ ዝኣክል – ዘመንፈስ ሃይለ መን እዩ?
– የቐንየለይ ተስፋይ – ፈለማ ንዓኻን ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን አመስግን። ብምቕጻል “ዘመንፈስ ሃይለ መን’ዩ?” ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ንዓይ። ግን ከኣ ብቐሊሉ ንምምላሱ ዝኸብድ እዩ። ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣነ ብዛዕባ ነብሰይ ክብሎ ዝኽእል፡ ብመጠኑ ኸኣ ምስ’ቲ ሰባት ብኸምዚ እዮም ዝፈልጡኒ ዝዀኑ ዝብሎን ዝመስለንን ሰብነተይ ጥራይ እየ ከላሊ ማለት’ዩ። እዚ ስም’ዚ ንዝሓለፈ 49 ዓመታት ከም ሰብ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ከኣ ከም ኣብ ስነ-ጥበብ ዝግደስን ሓሓሊፉ እውን ፍርያቱ ናብ ሓፋሽ ዘቃልሕን ሰብ በቲ ሓደ መዳይ፡ በቲ ኻልእ’ውን ኣብ ጋዜጠኝነት ብዝተፈላለየ መልክዑ ክሳተፍ ዝጸንሐን ዘሎን ሰብ እየ እብል። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ናተይ ቀንዲ ባህጊ፡ ስነግጥሚ እዩ። ብድሕሪኡ ልብ-ወለድ እዩ። ቀጺሉ እዩ እቲ ዘይልብ-ወለዳዊ ወይ

download

Latest Articles

Promoting Social Justice in Eritrea: The Role of an...

Director General of the National Museum, Dr.Yosief...

President Isaias Afwerki’s Interview With Local Media...