October 11, 2026
ሓዳስ ኤርትራ 10 ጥቅምቲ 2026
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብወራር ግዝኣት ኢትዮጵያ ብምኽሳስ፡ “እዚ ዘይምኽኑይ ወራር ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ከም ዝኽእል” ኣጠንቂቑ። “ሃሪሙኒ በኽዩ፡ ቀዲሙኒ ከሲሱ” ዝብሉኹም፡ ከም’ዚ ዓይነት ስልበጣ’ዩ። እዚ ክሲ’ዚ መሰረት ከም ዘይብሉን እቲ ሓቂ በንጻሩ ምዃኑን ዘነጽር ድሙቕ ሓቅታት ክንጠቅስ፦ 1. ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅሉዕ ወራር ዝኣወጀት፡ ቀዳማይ ሚኒስተራ ብ13 ጥቅምቲ 2023 – ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት – ንፓርላማ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “እንተተኻኢሉ ብዘተ፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ ብሓይሊ፡ ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ ክንውንን ኢና” ክብል ዝገለጸሉ ዕለት’ዩ።