March 31, 2019

ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ
ሓዳስ ኤርትራ   24 መጋቢት 2019

ቀይሕ ባሕሪ፡ ንርሑቕ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ምስ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዘራኽብ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊን ኣገዳሲን ማያዊ መስመር ዓለምና እዩ። በዚ መስመር’ዚ ዕለታዊ ዝመሓላለፋ ብዝሒ መራኽብን፡ ዓይነትን ዋጋን ናይቲ ጽዕነታትን ድማ ሓደ ካብ መርኣያታት ደርማስነቱ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ከም መተሓላላፊ መስመር ጥራይ ዘይኮነ፣ ነዚ ባሕሪ’ዚ ሓቚፉ ኣብ ዝርከብ ዞባ ዘሎ ሃብቲ ነዳዲን ካልእ ማዕድናትን ባህርያዊ ጸጋታትን፡ ንስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ ዜዕዝዝ ካልእ ተወሳኺ ረቛሒ እዩ። በዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያታት፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከል ዞባዊን ዓለማዊን፡ ናይ ዕብለላን ምግባትን፡ ጥሙሓትን ኣጀንዳታትን፡ ንሱ ዘኸትሎ ቊርቊስን ኮይኑ ምጽንሑ ድማ፡ ካልእ ጂኦ-ፖለቲካዊ ማዕዶ (dimension) ዝህቦ እዩ።

Latest Articles

Briefing by M. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs,...

Ethiopia is not being ‘dragged into war’

ንዓቕሊ ጽበት ሰልፊ ብልጽግና...