January 19, 2026

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ብ12 ጥሪ 2026፡ ብሬድዮን ቴለቪዥንን ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ቃለ-ጠይቕ ብምክያድ፡ ንዓለማዊ፡ ዞባውን፡ ዘቤታውን ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ሂቡሉ። ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ሎሚ ጀሚራ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ብተኸታታሊ ከተቕርቦ እያ።
• ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ቃለ መጠይቓትካ፡ ንህሉው ዓለማውን ዞባውን ኩነታት ብዝምልከት ምስናይ ደሕረ ባይታኡ ሰፊሕን ዝርዝራውን መብርሂታት ክትህበሉ ጸኒሕካ ኢኻ። ካብዚ ብምብጋስ ናይ ሎሚ ሕቶታትና ብሕጽር ዝበለ፡ ናብ እዋናዊ ምዕባለታቱ ዝቐንዐ እዩ። ፈለማ ብዓለማዊ