March 9, 2021

ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ
ኤርትራ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት 2021

ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ትሕቲ ፍልይ ዝበለ ዓለማዊ ሃዋህው ትዝከር ኣላ። ኣብ መወዳእታ 2019፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ሃገረ ቻይና ዝተኸስተ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዓመተ 2020 ብፍጥነት ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ብምዝርጋሕ፡ ብዙሕ መቕዘፍቲን ቁጠባዊ ዕንወትን ምውራዱ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዕማማት ዘስዓቦ ዝሕታለ ድማ ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን።ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ክታበት ምጅማሩ፡ ዘተስፉ ምዕባለ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ተቐያያሪ ባህርያት ናይቲ ቫይረስን ክታበት ናብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ንምብጻሕ ዝሓቶ ግዜን ተኣሳሲሩ፡ ሕጂ እውን ዘለናዮ ግዜ፡ እቲ ስግኣት መሊኡ ዘይተቐንጠጠሉ፡ ጥንቃቐን ዕቱብነትን ዝሓትት እዋን እዩ።ኣብ ከምዚ ዓይነት በዳሂ ኩነት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንድሕነት ቀዳምነት ብምሃብ፡ መምርሒታት መንግስቲን ሰብ ሞያ ጥዕናን ብንቕሓት እናተግበረ፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ብውሑድ ክሳራ ንምስጋር ልዑል ተራ ክጻወት ጸኒሑ ኣሎ።

download

Latest Articles

Ethiopia: Belligerent Agenda of Regional Destabilization

الأجندة الأثيوبية لزعزعة الاستقرار الإقليمي

تدمير جبهة نادو وتحرير مدينة أفعبت في 19 مارس 1988 ابعاد ودلالات...