August 21, 2021

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተመረቕቲ 34 ዙርያን 12 ዙርያ ማሞስን፡ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ወለድን ኣለይትን ሳዋ ምስ ዕዱማት፡ ፈለማ ንኹሎም ተመረቕትን ወለድን ዮሃና እንቋዕ ኣሐጎሰኩም! ንኣለይትን መማህራንን ሳዋ ከኣ ልዑል ምስጋና! 34 ዙርያ፡ ካብ ዝሓለፉ ዙርያታት ናታ ፍሉይ ሕላገትን ዝኽርታትን ዘለዋ ዙርያ እያ። ኣብ ዓለም ዝተኸስተ ለበዳ ኮሮና ብዘይካ’ቲ ዘኸተሎን ገና ዘኸትሎ ዘሎን ህልቂት፡ ንደቂ-ሰብ ናይ ተበራበር ደሃይ ይህብ። ንብዙሓት ብሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝጋውሑ ወይ ክጋውሑ ዝጸንሑ፡ ከም ንቡር ዝተወስዱ ዘይንቡራት ኣምራትን ክብርታትን ናይ ሓዊ ፈተነ’ዩ ነይሩ። ካብኡ ዝውሰድ ትምህርቲ ከኣ ዕቱብ ምርምርን መጽናዕትን መአረምታን ዝሓትት እዩ። ብተመሰሳሳሊ፡ ምስ ለበዳ ኮሮና ብሃነፍነፍ ክዓኑ ዝጸንሐ ባህርን ጸጋታቱን ኣብ ክሊማዊ ገልበጥበጥ ኣስዒብዎ ዘሎ ክሊማዊ ሃስያ’ውን ተወሳኺ ደሃይ ተበራበር’ዩ።

download

Latest Articles

Massawa’s Maritime Marvels: a Guide to the Islands’...

MoA Newsletter March 2026

Statement by Minister Osman Saleh at the Geneva...