July 1, 2026

June 30, 2026 | Shabait.com
ቅብጸተ-ተስፋ ሰልፊ ብልጽግና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ እናጐልሐ ይመጽእ ኣሎ። ዓቕሊ ጽበቱ ኣብ ዘግህደሉ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ዝበጽሐ ድማ ይመስል። ብመንገዲ’ቲ ህውታትያን ተላኻዒን ጌታቸው ረዳ ዘጋወሖ ኣዝዩ ኣሰልካዪ ናይ ሓሶት ጠቐነታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ድማ፡ ንእሽቶ መርኣያ ጥራይ’ዩ። ጌታቸው ረዳ፡ ከም እሙን ተንታኒ ፖለቲካን መወከሲን እንተ ተወሲዱ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ – ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ቴለቪዥናት ኮነ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሕሳባቱ፡ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ይኹን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተዛረቦ፡ እልቢ ዘይብሉ ጽዩፍን ስዲን ዘረባታት’ውን ከም ቅቡል ገይርካ ክውሰድ ኣለዎ