March 7, 2025

ክብሪ ንሰብ ግብሪ

ሰሎሞን ድራር

ኤሃብ ግርማይ
ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዝተወልዐት ደርፊ፡ “እዋእ! እዚኣ ናቱ’ያ፧” ክብሉ ምስ ሰማዕኩ፡ “ዘይናቱስ ናተይ ኢሉ ኣይመስምዓናን፡” በልኩ ብልበይ። ዘገርሞም ዝነበረ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት፡ ንዓይ’ውን ዝሓደገለይ የብሉን። ኣጸቢቐ እፈልጦ’የ ንዝብሎ ሰብ፡ ዕዮታቱ ብዝርዝር ምስ ቀረበ፡ ከም ዘይፈልጦ እየ ፈሊጠ። ዝገበርካ ዘይብልካ፡ ንሰብ ውዕሎ ከተናሹ ጸኒሕካ፡ ዕዮታቶም ደሚቑ ምስ ወጽአ ትሓንኽ ኢኻ። ከምኡ’ዩ ናይ ህይወት ነገር። ከምቲ ሓጥያትን ገንዘብን ተዋህላላይ ዝተባህለ፡ በብእዋኑ ዘንጠብካዮ ዕዮ ስነ-ጥበብ ድማ ተዋህላላይ እዩ። ምውህላሉ ግን መአከቢ ዝተረኽበ ዘይኮነ፡ መኽዘን ብሉጽ ስራሕ እዩ ዝኸውን።

download

Latest Articles

Eritrea’s Agricultural Development Over the Past 35...

Eritrea: The Long Road to Independence

خطاب الرئيس اسياس أفورقي بمناسبة العيد الخامس والثلاثين...