August 25, 2019

ውግእ እግሪ መኸል

ካልኣይ ወራር ወያነ ንምፍሻል ካብ ዘካየድናዮም ዓሰርተታት ውግኣት ሓደ፡ ኣብ ክንፊ ጸሮና (እግሪ መኸልን ፈራሲትን) ዝተኻየደ ውግእ’ዩ። ነዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ ምዕራፍ ዝውንን ፍጻመ ኣልዒለ መጽሓፍ ክጽሕፍ ፈለማ ድፍረት መሲሉ’ኳ ተሰሚዑኒ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ነዊሕ ምምታእ ግን ‘ግድን ክገብሮ ኣለኒ፡’ ብምባል ንነብሰይ ኣእሚነ ተበጊሰ። እነሆ ድማ ተበግሶይ ኣብ ዓወት ስለ ዝበጽሐ፡ ንነብሰይ ዕድለኛ ኢኺ እብላ። ውግእ እግሪ መኸል ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዝተኻየደ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ክብደቱ ዝመጣጠን ሓያሎይ ኣሃዱታት ተሳቲፈንኦ ብምንባረን፡ ንነፍስ ወከፍ ቦጦሎኒ ረኺበ ታሪኽ ክስንድን ቃለ መሕትት ከካይድን ናብ ድፋዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ በጺሐ’የ። ክልተ ግዜ ናብ እዚ ምብራቕ (ግንባር ዓሰብ)፡ 71፡ 64 ኪ.ሜ.፡ ሃሎ፡ ባዳ፣ እዚ ማእከል፡ ኣምበሰተ-ገለባ፡ ጸሊም ቀላይ፡ ሓድሽ ዓዲ (ኣኽራን) ሩባ ስሩ፡

download

Latest Articles

Briefing by M. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs,...

Ethiopia is not being ‘dragged into war’

ንዓቕሊ ጽበት ሰልፊ ብልጽግና...