November 7, 2022

ዝኽሪ ልደት ባጤራ ናቕፋ

8 ሕዳር 1997፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ባጤራ “ናቕፋ” ክግልገል ዝጀመረላ ታሪኻዊት ዕለት እያ። ምእዋጅ ባጤራ ናቕፋ፡ ኣብ ግዜኡ ዓቢ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ትርጉም ዝነበሮ’ዩ። ብሩራዊ እዮቤልዩ ናይዚ ኣገዳሲ ፍጻመ’ዚ እምበኣር፡ ምስ ቃልሲ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ምስ ህልዊ ዞባዊ ምዕባለታትን እዋን ምስግጋር ናብ ሓድሽ ምዕራፍን ኣዛሚድካ ብድምቀት ምዝካሩ ዘግባእብእ እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኤርትራን ከባቢኣን፡ ዕድጊ ብገንዘብ፡ ካብ ስልጣነ ኣዱሊስ ጀሚሩ ዝውቱር ምንባሩ ጥንታዊ ቅርሲታት የመልክቱ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድመ መግዛእታዊ ታሪኹ፡ ብከም በዓል “ማርያ ተሬዛ” ዝኣመሰሉ ናይ ዝተፈላለየ ነገስታት ባጤራ ይጥቀም ምንባሩ እውን ይፍለጥ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን፡ ምምሕዳር ብሪጣንያን ጎበጣ ኢትዮጵያን ብባጤራ ናይዘን ሃገራት ክግልገል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ኣብ ታሪኹ ንፈለማ ግዜ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ባጤራ ዝተገልገለ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡

download

Latest Articles

تصريح اعلامي إثيوبيا تبحث عن ذرائع لشن الحرب وتتظاهر بالعدالة

Press Release – Ethiopia: Floating False Flags to...

ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ...