April 6, 2019

ጋዜጣዊ መግለጺ

መንግስቲ ‘ዓዳላ ዎ ተንሚያ’ ናይ ቱርኪ፡ ብምወላን ኣገልጋልነትን ቐጠር፡ ብኣሳሳይነት መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ መሬት ሱዳን – ኣንጻር ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ሸርሒታት፡ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ብሕልፊ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብገፊሕ፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብፍሉይ ዝማዕበለ እወታዊ ክስተት ንምዝራግ፡ እቲ ሸርሒታት ናብ ዝበረኸ ጽፍሒ ሃሊሉ’ሎ።ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት፡ መንግስቲ ቱርኪ ብጉልባብ “ራብጠት ዑለማእ ኤርትሪያ”፡ ብኣቦ-መንበር “ኣል’ሓራካ ኣል’እስላሚያ ኣል’ኤርትሪያ” ናይ ዝበሃል ውድብ፡ ኣብ ቱርኪ ቤት-ጽሕፈት ከፊቱ’ሎ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ውሑዳት ሳምንቲ፡ ብስም’ቲ ምንቅስቓስ ኣብ ካርቱም ኣብ እተኻየደ ድግስ፡ ኣንጻር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዕቡድ ጭደራ ሰሚዑ ዘየስደመሞ ሰብ’ውን የለን። ‘ዓጀብ ሸዀርተት!’ ዘብል’ዩ።
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
3 ሚያዝያ 2019

Latest Articles

الفاتح من سبتمبر 1961 وتحولت شرارة الكفاح المسلح الى بركان جامح ـ...

Hamid Idris Awate, the legend

ዜና ሓሶት ብዛዕባ መርከብ ሽኵሹኳ ኤምባሲ ሃገረ...