September 11, 2021

ኣልማዛዊ እዮቤልዩ
ዝኽሪ ቀዳሞት ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

1
ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ብረታዊ ቃልሲ

ኤርትራ ካብ ግንቦት 1941 ክሳብ ታሕሳስ 1950 ብሕልኽላኽ ዝመልኦ ፖለቲካዊ ቃልሲ ድሕሪ ምሕላፋ ኣብ መጨረሽታ ኣንጻር ናይ’ቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ብጽልዋን ተጽዕኖን ሓያላን ሃገራት ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከም ትቑረን ተገብረ። ብ2 ታሕሳስ 1950 ዝተኣከበ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት፡ ብውሳነ 390 A/5 ናጽነት ይኹን ሕብረት ዝተመነዩ ኤርትራውያን ዘይተጸበዩዎ ንረብሓ ሓያላን ሃገራትን ኢትዮጵያን ዘገልግል ፈደረሽን ወሲኑ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ወኪል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ ከምዚ ክብል ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዓመጽ ተኣሚኑ፦ “ብዓይኒ ፍትሒ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ። እንተኾነ ግን፤ ስትራተጂያዊ ረብሓና ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ማእከላይ ምብራቕን ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን፣ እታ ሃገር ምስታ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትቊረን ግድን ገይሩዎ ኣሎ።” ፈደረሽን ከም ኣምር ኣብ መንጎ ክልተ ወይ’ውን ካብ ክልተ ንላዕሊ ሃገራት ብድሌት ዝፍጠር ሕብረት ኮይኑ፡ ተጻመድቲ ኣብ ዘቑምኦ ላዕለዋይ ኣካል፡ ማዕረ ብጽሒትን ሓላፍነትን ክህልወን ዘፍቅድ ስርዓት’ዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ ዝተስገደደ ፈደረሽን ግን፡ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝቖረነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይቲ ፈደረሽንን ናይ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክኸውን ዝፈቐደ፡ ምክልኻል፡

download

Latest Articles

Address by Eritrea’s Minister of Agriculture To the UN...

ርእሰ-ዓንቀጽ ዕንደራ ወያነ ዘሳሲ ዘሎ ሸፈጥን ጠቐነን


Warning: Use of undefined constant template_url - assumed 'template_url' (this will throw an Error in a future version of PHP) in /homepages/7/d41324992/htdocs/ECSS/2013/wp-content/themes/ecss_2013/single.php on line 52

احتيال ومحاباة لخدمة عربدة الويانى


Warning: Use of undefined constant template_url - assumed 'template_url' (this will throw an Error in a future version of PHP) in /homepages/7/d41324992/htdocs/ECSS/2013/wp-content/themes/ecss_2013/single.php on line 52