October 6, 2018

ኤርትራ – ምድረ ባሕሪ

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን
ኣቕራቢ – ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ደራሲ ናይ’ዚ መጽሓፍ’ዚ እቲ ብዙሕ ዕምቆት ዘለዎ ሓዉ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ ብዝተወሰነ ቃላት ንዕምቆቱ ክትፍትሽ ንስፍሓቱ ክትምትር ዝከኣል ኣይኮነን። ንሱ ሓርበኛ ተጋዳላይ፡ ውሕሉል ፖለቲከኛ፡ ክኢላ ዲፕሎማሰኛ፡ ምኩር ተዛታዪ፡ መሃዚ ጽሓፊ፡ ቅድሚ ኩሉ ኸኣ ኣዝዩ ምቅሉልን ካብቲ ኣብ 1966 ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተሰለፈሉ ዕለት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኣመነሉ ጉዳይ ጽኑዕን ተባዕን ሰብ እዩ። ንምእንቲ ሓርነት፡ ናጽነት፡ ብልጽግናን ምዕባለን ህዝብን መሬትን ኤርትራ ድማ ገና ነቲ ሃብታም፡ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ቃልሱን ምሃዝነቱን ይቅጽሎ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ መጻሕፍቲን ምህዞታትን ሓዉ ኣልኣሚን ኣብ ጋብላ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ስነ-ጽሑፍን ፍርያት ከም ዓይኒ-ማይ ብቀጻሊ እናፈልፈለ ዝፈስስ እዩ። እቲ “ምስጓምን ምንቁልቋልን” ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ታሪኻዊ ሰነድ መጽሓፉ ንሃገራዊ ቤት ንባብ ኣሃብቲሙ እዩ። ንሰውራ

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ