October 2, 2021

ውግእ እዳርህንጀር – 9 ጥሪ 1962
(5)

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ድሕሪ ውግእ ኣብናየት (3 ታሕሳስ 1961) ሓምድን ብጾቱን ንወርሒ ዝኣክል ካብቲ ዝጸናተዎም ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ክኽወሉ ኣሕለፍዎ። ኣብ ዝሓደርዋ ኣይውዕሉን፡ ኣብ ዝወዓልዋ ኣይሓድሩን እዮም። ጸላኢ ንምድንጋር ኣርሒቖም ይጓዓዙ፡ ብኡ ንብኡ ድማ ናብ ዝነበርዎ ይምለሱ። ንደቡብ ዝኸዱ ተመሲሎም ንሰሜን ይስወሩ። ሓደ ምሸት በመንጎ ሃይኮታን ተሰነይን ጽርግያ ሰንጢቖም ክሓልፉ ከለው፡ ኣለና ንመበሊ ኣብ ፓሎ ተሌፎን ሓኹሮም ብጉጤት ነቲ ስልኪ በታተዅዎ። ኣንፈቶም ንፎርቶ ሸነኽ’ዩ ነይሩ። ሩባ ሓሸንኪት በቲኾም ብፋራ- ባዴን ኣቢሎም መረዊት በጽሑ። ካብኡ ናብ ኣዳል ዝወስድ መንገዲ ሒዞም ኣብ በሪኽ ቦታ ምስ ወጹ እተን ብመንግስቲ ዝተወርሳ ጥሪት ሓምድን ቤተ-ሰቡን ካብ ተሰነይ ንኣቑርደት ገጸን ብፖሊስ ተኸብኲበን ክኸዳ ረኣዩ። ሽዑ ንሳቶም መደብ ጸላኢ ንምፍሻል ተሃንጠዩ። ሓምድ ግን “ግደፉዎም ይሕለፉ” በሎም። ሓምድ ዘቕረቦ ምኽንያት፡ “እንተ ተኲስና ንዑ ሕሙማትና ማርኹልና ማለት’ዩ። ከብቲ ሒዝና’ኸ ክንጓስየን ዲና ክንጋደል። ንሕና ተቓለሰቲ ኢና። ነተን ከብቲ ብተዂሲ ፋሕ እንተቢልናየን ወይ’ውን እንተወስደናየን፡ ጽባሕ ንግሆ መንግስቲ ‘ጥሪቶም ስለዝወሰድናሎም እንደኣሎም በረኻ ወጺኦም ኢላ ከተጸልምና’ያ። ስምና ከፊኡ ኣብ ክንዲ ተቓለስቲ ሽፋቱ ተባሂልና ክብርና ክሓስር’ዩ።” ዝብል ነበረ። ጥሪት ሓምድ ድሕሪ’ዚ ኣብ መጀመርታ ለካቲት ብጨረታ ተሓሪጀን ዝተረፋ ኣግማል ድማ ነቚጣታት ፖሊስ ክጥቀሙለን ተዋህባ። ሕን-ሕነ ናይተን ከብቲ ግዳ፡ ካብቲ ዝነበርዎ በሪኽ ቦታ ኣብ እግሪ-ኣዳል ናብ ዝነበረ መንገዲ ባቡር ወሪዶም ካልኣይ ግዜ ስልኪ ተሌፎን በተኹ። ካብ ኣዳል ዑበል ምስ ኣተው’ውን ዝወለደት ትውለድ ኢሎም ኣብ መንጎ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ