December 2, 2017

ዓቢ ፖለቲካዊ ጸወታን ሻውዓይ ምዕራፍ ባይቶ ጸጥታን
3ይ ክፍል
ድሕረ ባይታ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ቁ.1907

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ድሕረ ባይታ ናይ’ዚ ውሳነ‘ዚ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ብዓይነቱ ቀዳማይ ወይ ፍሉይ ውሳነ ብምዃኑ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ቲ ሰፊሕን ዓሚቚን ታሪኻዊ መስርሕ ኣትዩ ዝርአ ስለዝኾነ። ብኸም’ዚ ዝስዕብ ከኣ ክጽሞቚ ይከኣል ።ጉዳያት ብዕምቈት እንተ ድኣ ርኢናዮም፡ ንትሕዝቶ ፖለቲካዊ ውዲታት ዘቃልዕ ብዙሕ ታሪኻዊ ሓቂታት ኣለዎም። ስለዚ ከኣ ብዘይምግናን፡ ፍጻመታት ሓቀኛ ታሪኻዊ መኣዝኖም ክሕዙ ኣለዎም።ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ስዕረት ፋሽሽታዊት ኢጣልያን ምብቃዕ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ከም ኩሎም ህዝብታት ዓለም መሰል ርእሰ ውሳነኡ ክረክብ ነይሩዎ። እንተኾነ ምምሕደር ኣሜሪካ ብመገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ሕጋውን መሰል ህዝቢ ኤርትራ ብምጉዕጻጽ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1950 ብሓይሊ ምሰ ኢምበራጦርያዊት ኢትዮጵያ ብጉልባብ ፈደረሽን ቆሪኑዎ። ዋሽንግቶን ነዚ ህዝብታት…

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie