January 22, 2021

ፖሊሲ ኬንያ ኣብ ሶማልያ

ቅልውላው ሶማልያ ታሪኻዊ ዕምቈቱ፡
ፖለቲካዊ ምዕባለኡን መጻኢ ኣንፈቱን

ሓሙሻይ ክፋል
ምዕራፍ ክልተ

ብሪጣንያ ካብ 1888 ክሳዕ 1963 ንኬንያ ቅድሚ ምግዛኣ፡ ከምኡ’ውን ኢጣልያ ካብ 1889 ክሳብ 1941 ንሶማልያ ቅድሚ ምሓዙ (ምሓዛ)፡ ቀቢላታት ኬንያ ኣብ ሰሜንን መሰልቶም ቀቢላታት ሶማልያ ኣብ ደቡብን ብሰላምን ስኒትን ሓቢሮም ይነብሩ ነይሮም። ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከም ዝበርሀ፡ ሰበ ስልጣን ብሪጣንያ ነቲ “ጸሓይ ዘይዓርባ ንግስነት” ዚብልዎ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣተሓሳስባ ንምዕቃብ ንሶማልያ ናብ ደምበ’ቲ ብ1949 ዝመስረትዎ ናይ ሓባር ዕዳጋ (ኮሞንዌልዝ) ንምጽንባራ ዝገበርዎ ፈተነታት፡ በቶም ናብ ጽላል ናይ ሓባር ዕዳጋ ኪኣትዉ ዘይደልዩን ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ኪጸንሑ ዚደልዩን ዝነበሩ ገለ ሶማላውያን ምሁራት ምስ ፈሸለ፡ ብሪጣንያ ንዂሉ ዞባታት ሶማልያ ኣብ ሓንቲ ስምርቲ ሶማልያ ኪጥርነፍ ትድግፍ ከም ዘይነበረት፡ መርገጺኣ ብምልዋጥ ኣንጻር ድሌት ናይ’ቶም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ዶብ ዝነብሩ ሶማላውያን፡ ቅድሚ ንኬንያ ብ12 ታሕሳስ 1963 ናጽነታ ምሃባ፡ ነታ ኽፋል መሬት ሶማልያ ዝኾነት ዞባ ናብ ኬንያ ጸንቢራታ።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ