March 17, 2024

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ
ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ
ዝኽሪ 30 ዓመት ረፈረንዱም ኤርትራ
II

ቅድሚ 30 ዓመታት፡ ካብ 23-25 ሚያዝያ 1993 ዝነበረ መዓልታት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ ነቲ መሪር ቃልሲ ኣሕሊፉ፡ ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ፡ ብኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት ዘረጋገጾ ዘይግሃስ ሰብኣዊን ሃገራዊን መሰሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ፡ ረፈረንዱም ብምክያድ፡ ብድምጹ ሕጋውነቱ ደጊሙ ዝዀልዓሉ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ከም ህዝቢን ሃገርን ብዕሊ ዘረጋገጸሉ፡ ፍስሃ ወ ሰላም ዝዓሰሎ ታሪኻዊ ቅንያት እዩ ነይሩ። ናጽነት ኤርትራ ብዘይ ረፈረንዱም እውን ሕጋዊ’ዩ። ረፈረንዱም ከኣ፡ ነቲ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብብረታዊ ቃልሲ ዘምጽኦ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብድምጹ ኣጽዲቑ፡ ሕጋውነት ናጽነቱ ደጊሙ ዝዀልዓሉን ዝደርዓሉን ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ታሪኻዊ ዕለት ንምብጻሕ ዝሓለፎ

download

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...