March 11, 2024

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ
ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ
ዝኽሪ 30 ዓመት ረፈረንዱም ኤርትራ
I

ሰለሙን በርሀ
ቅድሚ 30 ዓመታት፡ ካብ 23-25 ሚያዝያ 1993 ዝነበረ መዓልታት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ ነቲ መሪር ቃልሲ ኣሕሊፉ፡ ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ፡ ብኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት ዘረጋገጾ ዘይግሃስ ሰብኣዊን ሃገራዊን መሰሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ፡ ረፈረንዱም ብምክያድ፡ ብድምጹ ሕጋውነቱ ደጊሙ ዝዀልዓሉ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ከም ህዝቢን ሃገርን ብዕሊ ዘረጋገጸሉ፡ ፍስሃ ወ ሰላም ዝዓሰሎ ታሪኻዊ ቅንያት እዩ ነይሩ። ናጽነት ኤርትራ ብዘይ ረፈረንዱም እውን ሕጋዊ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ከም ኩለን ግዙኣት ሃገራት መሰል ናጽነት ይግብኣ ነይሩ’ዩ። እንተኾነ ንግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያል ኣመሪካ ተባሂሉ ብዓመጽ፡ ኣንጻር ድሌት ህዝባ፡ ብውሳነ ሕቡራት ሃገራት 390 – A(V) ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቊረን ተወሲኑ።

download

Latest Articles

ዘተ ሚሸል ኮሎን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

تصريح اعلامي إثيوبيا تبحث عن ذرائع لشن الحرب وتتظاهر بالعدالة

Press Release – Ethiopia: Floating False Flags to...