April 18, 2022

ቀዳሞት ግጥማት ሓርነታዊ ቃልሲ
8ይ ክፋል

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ኣኼባ በርገሽሽ – መስከረም 1962

ድሕሪ መስዋእቲ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ተጋደልቲ ንፍሉይ ስርሒት እንተዘይኮይኑ፡ ብጥርኑፍ እዮም ዝጓዓዙ ዝነበሩ። ኣብ መስከረም 1962፡ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ሱዳን ኣተወ። ምስ ዑመር እዛዝ፡ መሓመድ እድሪስ ሓጅን ጣህር ሳልምን ድማ፡ ካብ ከሰላ ተበጊሱ ጋሽ ብምብጻሕ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ በርገሽሽ (ካብ ሃይኮታ ንወገን ደቡብ) ምስ ተጋደልቲ ተራኸበ። ነቶም ተጋደልቲ ብምትብባዕን ርእይቶኦም ብምስማዕን ከኣ፡ ዝርዝር ኣስማቶም ሰኒዱ ንጎስጓስ ዝጠቕሞ ስእልታት ወሰደ። ኣብዚ ፈላሚ ወግዓዊ ርክብ ላዕለዋይ ባይቶን ተጋደልቲን፡ ነቶም ዕጡቓት እትመርሕ ሓሙሽተ ዝኣባላታ መሪሕነት ክትቀውም እንከላ፡ ኣቦ-መንበርነት ንመሓመድ ዑመር ዓብደላ ተዋህበ። ኣብቲ ኣኼባ 44 ተጋደልቲ 18 ብረት ዝዓጠቑ፡ ዝተረፉ ከኣ ሴፍ ዝዓጠቑ ተሳቲፎም።
ድሕሪ ኣኼባ በርገሽሽ፡ ተጋደልቲ ናብ ክልተ ጋንታ ተኸፍሉ። ቀዳመይቲ ጋንታ መሓመድ እድሪስ ሓጅን ዑመር እዛዝን ዝመርሕዋ፡ ካልኣይቲ ጋንታ

download

Latest Articles

ተዘክሮታት ሓመድ-ደበ ግንባር ናደው

ለናይ ሰልፍ መዓርክ 60ታት 9ይ ክፈል

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ጋዜጣ ኣልሸርቕ...