April 9, 2022

ቀዳሞት ግጥማት ሓርነታዊ ቃልሲ
7ይ ክፋል

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

መስዋእቲ ሓምድ ኣድሪስ ዓዋተ 28 ግንቦት 1962

ድሕሪ’ቲ ብ20 ግንቦት 1962 ዝተኻየደ ውግእ ኣሜሊ፡ ሰሙን ጸኒሑ፡ ሰንበት መዓልቲ፡ መሬት መስዩ ዓይኒ ምስ ሓዘ ሓምድ ምስ ሻድሻይ ርእሱ ኣብ ተሽኪል ደቂሶም ነበሩ። ሓምድ ኣብ ጥቓ ክቡብ፡ ካልኦት ፋሕ ኢሎም። ለይቲ ኣብ እዋን ከውታ ሓምድ ተበራቢሩ ንክቡብ፡ “ብረተይ ኣብ ጥቓኻ ግበሮ” ኢሉ ምስ ዕጥቁ ድፍእ ኣበለሉ። ክቡብ ሓጃጅ ንሓምድ “ስለምንታይ?” ኢሉ ሓተቶ። ሓምድ፡ “ተጸሊኡኒ ኣሎ!” ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ኣይተዛረበን። ነጸላኡ ተጎልቢቡ በጥ በለ። ብድሕሪኡ ቃል ኣየውጽአን። ክቡብ’ውን ደጊሙ ኣይሓተቶን። ደቂሶም ሓደሩ። ኩሉ ግዜ፡ ወጋሕታ ንሓምድ ቀዲሙ ዝበራበር ኣይነበረን። ሰኑይ ንግሆ ግን፡ ኩሎም ቀዲሞሞ። ሰጊዶም’ውን። ናይ ስጋ ኮይናቶ “ደሓንዶ ኣይኮነን’ዩ” ኢሉ ቀዲሙ ንሓምድ ከተንስኦ ዝኸደ ዓዋተ መሓመድ ፋይድ ነበረ። ‘ሓምድ! ሓምድ!’ ኢሉ ብስሙ እናጸውዐ ነቕነቖ።

download

Latest Articles

The Midas and Lycaon Curses: A Fatal Ambition

ባሕቲ መስከረም 1961 ቁልዒ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ደምሳሲ...

Cableway in Eritrea: its History and Prospects for its...